Direkt zum Inhalt

ፀረ-መድልዎ ምክር 

ADiBe Netzwerk Hessen (ኣዲበ  ብዙሓት ማሕበራን  ኣብ ንኡስ-ዞባ ሄሰን)

ምኽሪ ኣንጻር ተነጽሎ

ተነጽሎ ማለት ፡

ብሰንኪ ኣካላዊ ወይ ኣአምሮአዊ ስንክልና፡ ዓለታውነት ፡መበቆል-ዓዲ፡ ሃይማኖት ወይ ንኩነታት-ዓለም ከመይ ከም ትርኢ(ideology) ፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ሰብኣይ ንሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ንሰበይቲ ምፍታው ከምኡ‘ውን ማሕበራዊ ክውኑነት ጸርፊ ወይ መሰልካ ክገሃስ ከሎ አዩ።

ተነጽሎ ኣብ ኩሉ ከጋጥም ይከኣል

  • ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ስራሕ አትደልየሉ ግዜ
  • ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ኣብ ዩኒፈርሲቲ
  • ኣብ ቤት-ጽሕፈታት (ኣብ ወጻኢ ጉዳያት፡ ቤት-ጽሕፈት ሰራሕተኛታት)
  • ገዛ ኣብ አትደልየሉ ግዜ
  • ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ፡ ኣብ ዕዳጋ ወይ ኣብ ስፖርት
  • ኣብ ኣውቶቡስ ወይ ኣብ ባቡር ........

ናትና ሓገዝ አምበኣር

ተነጽሎ ዘጋትሞም ሰባት ምኽሪ ንህብን ነሰንዮምን። ብእምነት፡ብነጻን ብዝተፈላለየ ቈንቈታትን ብዘይ ዝኾነ መሰናኽላት(ማለት ወላ ስንኩላት ብዘይ ሓገዝ ናይ ካልኦት ናባና ክመጹ ይኽእሉ)። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እንሰርዖ እምበኣር ናትኩም ድሌታትኩምን ዕላማኹምን እዩ።

ምኽርን ሓገዛትን

AdiBe

  • ኣብ ልዕሌኻ ዘጋጠመካ ነገር  ምስገለጽካሎም ንሶም ድማ ብመሰረት  ናይ ሕጊ- ጀርመን ተሞርኪሶም ጉዳይካ ማዕረ ክንደይ  ርዝነት ከም ዘለዎ ይምርምሩ።
  • ጉዳይኩም ኣጻርያ ንዝሓሸ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ናብ ካልእ ቤት-ጽሕፈት ትሰድድ።
  • ኣብቲ ተነጽሎ ዘጋተመ ቦታ ወይ ሰብ ብቀጥታ ይራኸቡን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ነገር ንኽትገልጸሎም ይጠልቡን።
  • ምጽሓፍ ኣብ ናይ ጥርዓን-ደብዳቤ ትሕግዝ።
  • ጉዳይኩም ብኸመይ ከም ዝቕጽል ምሳኹም ሓቢራ ትዝቲ።
  •  ዘቕረብኩሞ ጥርዓን ብጽሑፍ ትሕዝ። እዚ ከኣ ንሓደ ብተደጋጋሚ ዝብድል ሰብ ከም መርትዖ መታን ክኾኖም ።

Das ADiBe  Netzwerk

ADiBe (አዲበ)  ዝተፈላለያ ማሕበራት ብስም እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ (ADiBe  Netzwerk)  ዝፈለጣ ኮይነን ብሓንሳብ ሓቢረን ይሰርሓ ። ምስ  ናይ ሕጊ ዝተማህሩ ብዙሕ ተመኩሮ ዘለዎም ሰባት፡ ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ናይ ምኽሪ ቦታታት ከምኡ`ውን ምስዚ ጉዳይ ዝምልከተን ወይ ተገዳስነት ዘለወን ግላውያን ማሕበራት ምስአን ሓቢራ ትሰርሕ። ስለዚ ናይ ዝተፈላለየ መልክዕ  ናይ ተነጽሎ ኩሉ ዘጋጥም ኣባና መጺኩም  ቅኑዕ ምኽሪ ትረኽቡ።

ኣብነታት ናይ ተነጽሎ

  • ስራሕ ምስ ዘይትወሃብ ማለት ብሰንኪ ናይ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ስንክልና ስለዘለካ ንኽትሰርሕ ምስ ዘይፍቀደካ ።
  • ኣብ ስታድዩም ናይ ስፖርት መስርሒ ንወጻእተኛታት (ሓተቲ-ዑቕባ) ስለዘይቅበሉ ናይ ኣባልነት ወረቐት ምስ ዘይትወሃብ።
  •  ሓንቲ ጋል ንከማ ጋል ስለ ተፍቅር  እቲ ዋና ገዛ ድማ ብኡ ምኽንያት ገዛ ምክራይ ምስ ዝኣቢ።
  •   ኣፍሪቃዊ ስለኾንካ ንበይንኻ ኣብ መስርዕ ኣብ ቅድሚ መዘናግዒ ክለብ ደው ምስ እትብል ወይ እቲ ቦዲ ጋርድ ናቡ ክትኣቱ ምስ ዘይገድፈካ።

ቀዳማይ  ረድኤት ፡ ተነጽሎ ኣብ ዘጋጥመኒ ክገብሮ ዝግበኣኒ ነገር፣

  • ህድእ በል!   አቲ ሰብ ነገርካ ስለዝደለየካ ብተደጋጋሚ እንተጸረፈካ ሸለል በሎ  ።
  • ነቲ ዘጋጠመካ ነገር ንመርትዖ ወይ መሰኻኽር ዝኾኑኻ  ዓማዊል ወይ ሓለፍቲ መገዲ ረአ። ምስኦም ተዛረብ ስሞምን ተለፎንን ንኽህቡኻ ድማ ብትሕትና ሕተቶም።
  • እንታይ፡ መዓስ፡ ኣበይ፡ መን ኣብቲ ነገር ተሳቲፉ መንከ ምስክር ከምዝነበረ ንመዘኻኸሪ ዝኾነካ ሓጺር ጽሑፍ ጽሓፍ።
  • ስለምንታይ መሰልካ ተጋሂሱ፧ ንምንታይ መሰልካ ከም ተጋህሰ ማለት ብሰንኪ ቆርበት ናይ ሕብርኻ  ወይ ብሰንኪ ትዛረቦ ቓንቓ፡ ወይ ናይ ኣእምሮ ወይ ኣካላዊ ስንክልና  ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል።
  • ብዝተኻአኩም ቀልቲፍኩም ምኽሪ ክትረኽቡ ኣለኩም። መብዛሕቲኡ ግዜ ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ንኽትከሱ መሰል ኣለኩም።

ኣብዚ ኣድራሻ ጥርዓንኩም ከተቕርቡ ትኽእሉ፡

ተሌፎን፡ [Telefonnummer!]

email: Kontakt [at] adibe-hessen.de (Kontakt)Kontakt [at] adibe-hessen.de (@)Kontakt [at] adibe-hessen.de (adibe)Kontakt [at] adibe-hessen.de (-)Kontakt [at] adibe-hessen.de (hessen)Kontakt [at] adibe-hessen.de (.)Kontakt [at] adibe-hessen.de (de)

ኣድላዪ ነገር ምስ ዝህሉ ቆጸራ  ክንገብረልኩም  ንኽእል ። (ተርጋሚ ባዕልና ከነዳልወልኩም ንኽእል)

ክፉታት ናይ ስራሕ ሰዓታት፡

ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ፡ ካብ ሰዓት 10፡00 - ክሳብ ሰዓት 17፡00

ሰሉስ ፡ካብ ሰዓት 10፡00 - ክሳብ ሰዓት 18፡30

ኣድራሻ፡

[Adresse!]